Fana: At a Speed of Life!

ዋና ፀሓፊት ፊፋ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ድሬዳዋ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊት ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ፋጡማ ሳሞራይ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣማሲየን ናብ ድሬዳዋ ኣቲየን።

እተን ዋና ፀሓፊት ኣማሲየን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ እንትበፅሓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃርን ኣባላት ካቢኔ እቲ ምምሕዳርን ኣቀባብላ ገይሮምለን።

እተን ዋና ፀሓፊት ኣብ ድሬዳዋ ፃንሒተን ኣብ ፕሮጀክት ኩዕሾ እግሪ ህፃናትን ኣብ ዓውዲ ስፖርት ዝካየዱ ተግባራትን ከምዝዕዘባ ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብፍላይ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ብ50 ሚሊየን ብር ወፃኢ መፃወቲ ሜዳ ሰብ ስራሕ ሳዕሪ ምልባስን ኣብቲ ስታዲየም ዝተሰርሑ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝዕዘባ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.