Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤልን ሃማስን ዘካይድዎ ኲናት ብቕፅበት ደው ንክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ተዅሲ ብቅፅበት ደው ንክብል ሓዲሽ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ግብፂ ኣብ ዝርከብ ራፋሕ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ብምዃን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሕሒ ኩሉ ዓይነታት ምልውዋጥ ተዅሲ ደው ዝብለሉ ግዜ’ዩ” ኢሎም።

እቲ ጥምየትን ዓፀቦን ሰብ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ጋዛ ብሰብኣዊ ሓገዛት ክተዕልቕልቕ ሐዚ ግዚኡ’ዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ብወገን ግብፂ ናብ ጋዛ ክኣተዋ ዝተዳለዋ ሰብኣዊ ረድኤት ዝፅዓና መካይን ምኽልካል ዘይሞራላዊ’ዩ ኢሎም።

እስራኤል ናብ ጋዛ ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽኣቱ ከተፍቕድ እውን ፀዊዖም።

እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንክፍትሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ትካል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ፥ ኣብ ጋዛ 1 ነጥቢ 1 ሚልየን ሰባት ህልቂት ከስዕብ ንዝኽእል ጥምየትን ዓፀቦን ተቓሊዖም ከምዘለዉ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.