Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣየር ንምቕራብ ዘኽሎ ፈተነ በረራ  ናብ ሽረ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ክልተ ዓመት ፈላማይ ዝኾነ ፈተነ በረራ ሎሚ መዓልቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ በረራ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ ፅሑፍ÷ ጎንፂ ካብ ዝለዓል ድሕሪ ክልተ ዓመት ፈላማይ ዝኾነ ኣውሮፕላን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፈተነ በረራ ሎሚ መዓልቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ ምግባሪ ገሊፁ።

ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ኣየር ከምብሓዱሽ ምጅማሮም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቅልጡፍ ንምብፃሕ ከምዝሕግዝ ኣብሪሁ፡፡

እዚ ድማ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት ስቓዮም ንምፍታሕ ከምዝሕግዝ ኣልዒሉ።

ኣለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ህፁፅን ፈላማይን ሓገዝ ሕክምና ንመሃብ ዘኽእሉ ናውቲ ሕክምና ዝሓዛ ክልተ ተሸከርከርቲ ትማሊ ናብ መቐለ ምብፅሑ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.