Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ኮንስትራክሽን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 17 ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ኮንስትራክሽን ኢትዮ ኮን 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

እቲ ዓውደ ምርኢት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 4 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚቢሽን ማእኸል ክፍቲ ኮይኑ ክፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ዝተዋደ,ፈሩ ዝተፈላለዩ ትካላት ፍርያቶምን ግልጋሎቶምን ንምፍላጥ ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ተረኺቦም።

መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር)÷ ዘፈር ኮንስትራክሽን ንምሕጋዝ ኩለመዳይ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑን እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሆም።

እታወታት ዓውዲ ኮንስትራክሽን 80 ሚኢታዊ ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምሽፋን እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣልዒሎም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.