Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ጉባኤ፥ ብምትሕብባር ሃገራት ጋና፣ ኖርዌይን እንግሊዝን ከምኡ እውን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማእኸል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ዝተዳለወ ኢዩ።

ኣብ ፋይናንስ ትምህርቲ፣ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝተዓፀዋ ኣቢያተ ትመህርቲ ዳግም ንምኽፋት፣ ትምህርቲ ፍሉይ ክእለት፣ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ዲጂታል ትምህርቲን ዘድሃበ ጉባኤ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ትኹረት ዓውዲ ትምህርቲ ዓለም 2021 እንታይ ክመስል ከምዝግባእ ቀፃሊ ኣንፈት ከምዝወሃብን ውሳነ ከምዝመሓላለፍን ትፅቢት ይግበር።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሚኒስትራትትምህርቲን ዓለም ለኸ መውፃእቲ ፖሊሲን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.