Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ኣኼባ ኣምባሳደራት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣምባሳደራትን ቆንስላ ጀነራላትን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ “ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶና ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፥ እቲ ቤት ዕዮ ኣብዚ በጀት ዓመት ብኣዋጅ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምውፃእ ኣብ ፖሊሲ ርክባት ወፃኢኡ መሰረት ብምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ከምዘሰርሕ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ተናሓናሕቲ ሓይሊታት ደቡብ ሱዳን ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንኽኸውን፣ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ቀውሲ ሰላማዊ ስግግር ፖለቲካ ንኽህሉ፣ ኣብ ሶማሊያ ዘላቒ ሰላም ንኽፍጠር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ስምምዕነት ሰላም ብምፍርራምን ሰላም እቲ ዞባ ምኽባርን ዝበሉ ስራሕቲ መሪሕነ ግደ ከምዝነበሮ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንኽፍጠር፣ ኣብ ማዕቐፍ ኢጋድ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር እቲ ዞባ ምፍጣር፣ ኣብ ሰላም ሃገር፣ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እቶም ሚኒስትር ብተወሳኺ፥ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ምስ ዝርከባ ሃገራት ብሄራዊ ረብሓ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ነባርን ሓደሽቲን ስትራቴጂካዊ መሓዙት ብምፍራይ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጠ ዝርከብ ኩለመዳይ ለውጢ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ሓገዝ ክረክብ ኣብ ምግባር ኣወንታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንኽሳተፉ ብምግባር ኣብ ከይዲ ድርድር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ዓወት ብፐብሊክ ዲፕሎማሲ ብምዕጃብ፤ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝኾነ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ተረባሕነት ንምብራሕን ዲፕሎማሲያዊ ሓገዛት ንምእካብን ዝሕግዝ ልዑል ስራሕቲ ህንፀት ገፅታ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዓውዲታት በዓል ብዙሕ መድረኽን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲን ዝበረታትዑ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ካብዚ ብዝበለፀ ንምስራሕ ከምዝሕግዝ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ኣኼባ ስራሕቲ ለውጢን መሰረታዊ ሓሳባት ፍልስፍና ምድማር፣ ፖለቲካዊ ምዕባለን ገፅ ምድማርን፣ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ገፅ ምድማርን፣ መሪሕ ትልሚ ዓሰርተ ዓመት ኢትዮጵያ፣ ኣምር ምድማር ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲን፣ ስትራቴጂካዊ ኣመራርሓን ውፅኢት ተኮር ትልሚን ዝበሉ ስልጠናታት ክወሃቡ ኢዮም።

ናይ ሕድሕድ ኤምባሲ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብምግምጋምን ዝተፈላለዩ ሃገራዊ፣ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ፈተናታት ኣብ ርክብ ጉዳያት ወፃኢን ዘድሃበ ዘተ ብምክያድ ሓበራዊ ግንዛበ ክተሓዝ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ኣኼባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 3 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.