Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉጣት ኣትሌታት ሓዊሱ ካልኦት ክፋላት ሕብብረተሰብ ዝተሳተፉሉ ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡፡

ኣብ መጀመሪ ስነ ስርዓት እቲ ዓብዪ ጉያ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናኒሴ ጫሊን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ዕዱማት ኣጋይሽ፣ ፍሉጣት ኣትሌታትን ተሳተፍቲ እቲ ጉያን ተረኺቦም።

ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብ1994 ዓ.ም ብኣትሌት ሃይሌ ገብረ ሥላሴ ዝተጀመረ እንትኸውን÷ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ካብ ዓለም ዓለም ድማ መበል ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ናይ ጎደና ጉያ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ዝተኻየ ጉያ መበገሲኡን መዛዘሚኡን መስቀል ኣደባባይ እንትኸውን÷ ሓፈሻዊ ርሕቐቱ ድማ 10 ኪሎ ሜትሮ ኢዩ፡፡

ካብ’ቲ ዓብዪ ጉያ ኣቐዲሙ ውድድር ጉያ ጉዱኣት ኣካል ተኻይዱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.