Fana: At a Speed of Life!

ዓይኒና ካብ ግድብ ህዳሰ ንፃት እውን እንተኾነ ኣይንነቅልን- ሜጀር ጄኔራል ይልመ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓይኒና ካብ ግድብ ህዳሰ ንፃት እውን እንተኾነ እንከይነቐልና ድሕንነቱ ክንሕልዎ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይኢ ኣየር ሜጀር ጄኔራል ይልመ መርዳሳ ተዛሪቦም።

ሃገር ንምፍራስ ንዝፅዕር ዝኾነ ይኹን ሓይሊ መንግስቲ ፌዴሪኢ ብመሰረት ዝህብና ትእዛዝ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዘን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ድልዋት ኢና ኢሎም።

ሜጀር ጄኔራል ይልማ መርዳሳ፥ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፅዕንቶ ዘይደሊዩ ሓይሊታት ወፃኢ ምስ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ብምዃን ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ክገብሩ ፀኒሖም ኢዮም” ኢሎም።

ፅላመኦም ድማ ህዝቢ ኢጥዮጵያ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ዝሃንፆ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ከንቱ ንምትራፍ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመንፅር እዚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያውያን ልዑል ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።

እዚ ድማ መንግስቲን ህዝብን ተዋዲዶም እንተሰሪሖም እንታይ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ዓይኒና ካብ ግድብ ህዳሰ  ንፃት እውን እንተኾነ ኣይንነቅልን ክብሉ ሜጀር ጄኔራል ይልመ መርዳሳ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.