Fana: At a Speed of Life!

ዕላዊ መድረኽ ኣፍልጦ ማኒፌስቶን መወዳደሪ ምልክት መረፃን ፓርቲ ብልፅግና ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህብረ ብሔራዊ ሕውነት ንሓበራዊ ብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ቃል ንመረፃ 2013 ኣፍልጦ ማኒፌስቶን መወዳደሪ ምልክት መረፃን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ተኻይዱ።

ነቲ መድረኽ ኣፍልጦ ዝኸፈቱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ብናልፍ ኣንዱ ኣለም፥ “ፓርቲና ፓርቲ ብልፅግና ሃገርናን ዓለም ለኻዊ ኩነታትን ብዕምቆት ዝገምገመ፣ ንሃገርና ናብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ፀገማትን ፈሊዩ ትኽክለኛ መፍትሒ ዘመዓራረየ፣ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ኢትጵያውያን ኤጋታት ብኣባልነት ሓቒፉ ኣብ ጎኑ ዘሰለፈ፣ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተወለደ፣ ንለውጢ ዝተግህ፣ ተስፋ ብርሃን ዝሰነቐ ናይ ሎሚን ፅባሕን ፓርቲ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ፓርቲ ኣብ እዋን መረፃ ዝጥቀመሉ ማኒፌስቶን መወዳደሪ ምልክት መረፃን ዕላዊ ገይሮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.