Fana: At a Speed of Life!

ዕዉት ስራሕ ቅየራ ኖት ብር ከምዝተኻየደ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዕዉት ስራሕ ቅየራ ኖት ብር ከምዝተኻየደ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ከይዲ ምቕያር ብር ብዕዉት ምዝዛሙ ስዒቡ፥ ዕዉት ምቕያር ኖት ብር ንኽካየድ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦምን ምስጋናን የካይድ ኣሎ።

እቲ ምቕያር ብር ፀገም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ፅዕንቶ ዕዳን ዘቃለለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ኣካውንት ዝኸፈቱ እንትኾኑ፥ ልዕሊ ብር 126 ቢሊየን ገንዘብ ናብ ስርዓት ባንኪ ከእቱ ክኢሉ።

ልዕሊ ብር 185 ቢሊየን ሓዱሽ ኖት ብር ከምዝተኸፋፈለ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.