Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ኣሜሪካ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣገዲድካ ክወስዱ ከምዘይግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀፃሊ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣመሪካውያን ክታበት ቫይረስኮሮና ንክወስዱ ኣይግደዱን ኢሎም።

ማእከል ምቁፅፅር ሕማማት (ሲዲሲ) ድማ ንፈለማ እዋን ኣሜሪካውያን ካብ ናይ ባዕሎም ገዛ ወፃእ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም’ውን “መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ” ኣለዎም ክብል ተማሕፂኑ’ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቫይረስኮሮና ኣብ ኣሜሪካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምልባዕ ተሰጋጊሩ ኣሎ ዝበለ ሲዲሲ፥ ኣብታ ሃገር ትማሊ ዓርቢ ጥራሕ ሞት ልዕሊ 2 ሺሕን500 ሰባት ተመዝጊቡ።

ካልኦት ሓደሽቲ 225 ሽሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ኣብታ ሃገር 14 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሰባት ብቫይረስኮሮና ክልከፉ እንከለው፥ ልዕሊ 278 ሽሕ ድማ ብምኽንያት እቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 20 ጥሪ 2021 ቃለ መሓላ ዝፍፅሙ ጆ ባይደን ከኣ፥ በዓለ ሽመቶም ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.