Fana: At a Speed of Life!

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት መንግስቲ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክግበሩ ኣለዎም ምክትል ቀ/ሚ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋትን ንምክልኻልን መንግስቲ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክግበሩ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣተሓሳሲቦም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ ዝምራሕ ግብረ ሓይሊ ውሃቢ ምላሽን ምክልኻልን ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ምስ ኮሚቴ ቴክኒክ ጥዕና ብምውዳድ ውሳነታት መንግስቲ ተፈፀምቲ ንኽገብሩን ንኽከታተሉን መድረኽ ምውፋር ተሳሊጡ።

ነቲ ግብረ ሓይሊን ኮሚቴ ትክኒክን ላዕለዋይ ኮይኖም ዝመርሑዎ ኣይተ ደመቀ መኮንን እብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበሉዎ፥ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት መንግስቲ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክግበሩ ኣለዎም።

በቢብርኩ ዝርከቡ ትካላት መንግስቲ ድማ ብዝተዋደደ ዓቕሚ ኣብ ተግባራዊነት እቶም ውሳነታት ፍሉይ ቆላሕታን ክብደትን ብመሃብ ንኽረባረቡ ኣተሓሳሲቦም።

“ኣብ ታሪኽና ኣብ ብጣዕሚ ዝኸፍአ ፈተና ከምንርከብ ተረዲእና፤ ሃገርናን ህዝቢናን ካብቲ ሓሰደጋ ንምንጋፍ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ስትራቴጂካዊ ርብርብ ንገብረሉ ወሳኒ እዋን ኢዩ” ክብሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እቲ ግበረ ሓይሊ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ትረጉም ዘለዎ ውፅኢት ንኸምፅእ መንግስቲ ዘመሓላልፎም ውሳነታት ብዝተማልአ መገዲ ተግባራዊነቶም ምርግጋፅ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ግብረ ሓይሊን ኮሚቴ ትክኒክን ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ኣብ ምዕዋት ዝገብሮ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ትቡቕ ሓገዝ ኣመራርሓን ክትትልን ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም።

ብብርኪ ሃገር ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋትን ንምክልኻልን ሕድሕድ ዜጋ ኣካል መፍትሒ ብምዃን ሃገራ ሃላፍነቱ ብተግባር ንኽዋፃእ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.