Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ኤምባሲ ፈረንሳይ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ቋንቋ ፈረንሳይኛ ብደረጃ ድግሪ ከምህር ምድላዋቱ ከምዝወገነ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ፌድሪክ ቦንተምስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተረኺቦም ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ፈረንሳይኛ ኣብ ዝጠናኸረሉ ዛዕባ ብምድሃብ ምስ ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተዛቲዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምጥንኻርን ምስቲ ዩኒቨርሲቲ ስጡም ርክብ ንምፍጣርን ከምዝሰርሑ እውን ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ብዛዕባ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መብርሂ ዝተውሃቦም እንትኾን፥ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ማሕብረሰብ ሳይንስ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምሃብ ዝተጣየሸ ማእኽል ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ እዉን ገለፃ ተገይርሎም እዩ።

ንሶም እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዝሳለጡ ኩሎም ዓይነት ሰራሕቲ ንምትሕግጋዝ፥ ቋንቋ ወሳኒ ብምዃኑ ኩለመዳይ ዓቕሚ እቲ ማእኸል ንምጥንኻር ብወገን መንግስቲ ፈረንሳይ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝግብር ኣረዲኦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዲን ኮሌጅ ማሕበራዊ ሳይንስን ቋንቋታትን ዶ/ር ተስፋኣለም ገብረዮሃንስ ብግደኦም፥ እቲ ዝተገበረ ዘተ እቲ ኮሌጅ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምሃብ ጀሚርዎ ዘሎ ምንቅስቓስ ብናዉትን ካልኦት መዳያትን ንምጥንኻር ሓጋዚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ኤምባሲ ፈረንሳይ ብምትሕብባር ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ዝተፈራረሙ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ድማ ብደረጃ ድግሪ ንምምሃር ምድላዋት ወጊኑ ከምዝርከብ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ዩንቨርስቲ መቐለ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጀሚሩ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምምሃር ድሌት ዘለዎም ተምሃሮ ከምህር ፀኒሑ እዩ።

ፍልፍል፦ Tigray Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.