Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ 2 ሺሕን 93 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 93 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ኣብ ስነሰርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካን ኣወዳድባ ስቪክን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲን ዶክተር አለሙ ስሜ፥ እቶም ተመረቕቲ ንምዕባለ
ሃገሮም ንክሰርሑ ምዒዶም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ እተካይዶ መርጫ ነፃን ፈትሓዊን ኮይኑ ንክዛዘም እቶም ተመረቕቲ ግደኦም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኡባህ አደም ብግደኦም፥እቶም ተመረቕቲ ብዝተምሃርሉ ዓውዲ ማሕበረሰብ ንከገልግሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.