Fana: At a Speed of Life!

ደበና ናይ ምዝናብ ቴክኖሎጂ ግብርና ብምድጋፍ ጎጆታት ኢትዮጵያ መብራህቲ ንክረኽባ ዝሕግዝ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደበና ናይ ምዝናብ ቴክኖሎጂ ግብርና ብምድጋፍ ጎጆታት ኢትዮጵያ መብራህቲ ንክረኽባ ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ደበና ናይ ምዝናብ ቴክኖሎጂ መፋለጢ መድረኽ ኣብ ኣብዘርቫቶሪ እንጦጦ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ፥ ኢትዮጵያ ንመስኖን ፈልፍል ሓይሊ ኢሌከትሪክን ዝኾኑ ብዙሓት ሓፅቢታት ኣብ እትሃንፀሉ ዘላ እዋን ካብዚ ቴክኖሎጂ ምርሓቕ ውፅኢታዊ ክትከውን ኣይገብርን ኢሎም።

እቲ ቴክኖሎጂ ካብ ተፈጥሮ ዝፍልፍል ዘይኮነስ ብተፈጥሮ ዝተረኸበ ፀጋ ብኣግባቡ ምጥቃም ምዃኑ ብምግላፅ፥ ተመሳሰልቲ ስራሕቲ ብምስፋሕ ናብራ ዜጋታት ብምቕያር ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር  ሰላም ሃገርን ስምዒት ሕውነትን ምሕላው እንተዘይተኻኢሉ ኩሉ ነገር ከንቱ ስለዝኾነ መንግስቲ ህይወት ዜጋታት ንምሕላው ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣን ሸሞንተ ግንባራት ብምዃን ፀረ ሓረስታይ ዝኾኑ ሓይሊታት የፅሪ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ደበና ምምዕባል ኩነታት ኣየር ብመገዲ ሰብ ስራሕ ናይ ምቕያር ቴክኖሎጂ ኣካል እንትኸውን፥ ዕላምኡ ድማ ካበ ደበና ዝርከብ ዓይነተን መጠንን ዝናብ ምቕያር ኢዩ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.