Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ 16 ሺሕ ቶን ሩዝ ብመልክዕ ሓገዝ ለጊሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ ደገፍ ምግቢ ዶብ ተሻጋሪ ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን 50 ሺሕ ቶን ሩዝ ብመልክዕ ሓገዝ ከምዝለገሰ ሚኒስቴር ሕርሻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ 19 ሺሕ ቶን ንየመን፣ 16 ሺሕ ቶን ንኢትዮጵያ፣ 10 ሺሕ ቶን ንኬኒያ ከምኡ እውን 5 ሺሕ ቶን ንኡጓንዳ ዝወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

ደቡብ ኮሪያ ኣብ 2018 ን 2019 ዓ.ም.ፈ ነተን ዝተረቑሓ ሃገራት 100 ሺሕ ቶን ሩዝ ድጋፍ ዝገበረት እንትትከውን፥ ሐዚ ዝገበረቶ ሓገዝ ንመበል ሳልሳይ ግዘ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዕላማ እቲ ሓገዝ ዓለም ለኻዊ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ሰብኣዊ ደገፍ ዘድሊየን ሃገራት ንምድጋፍን ከምዝኾነ ዮናፕ ዝተብሃለ መራኸቢ ሓፋሽ ብምርቋሕ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.