Fana: At a Speed of Life!

ዲፕሎማትነት ብሔራዊ ረብሓ ሃገር ምሕላው ዘኽእል ክእለትን ዓቕሚን ፍልጠትን ዝሓትት ልኡኽ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፤ 11 መስከረም፤ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲፕሎማትነት ኣብ ከቢድ ኩነታት እውን ብሔራዊ ረብሓ ሃገር ምሕላው ዘኽእል ክእለትን ዓቕሚን ፍልጠትን ዝሓትት ልኡኽ ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ምስ ሰራሕተኛታት፣ ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማታት፣ ተፀዋዕቲ ትክላት ሚኒስቴር ጉዳኣት ወፃኢ፣ ሚኒስቴግ ምክልኻል ሃገርን ዝተፈላሌኣ ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሙያታት ተመክሮ ሂወተንን ልምደንን ኣካፊለን።

ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ  ዲፕሎማት ኣብ ዝተዋፈረሎም ልኡኻት ኩሉ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ቀጣናዊ ኩነታት በቢግዜኡ ብምርዳእን ኣብ ግንዛበ ምእታውን ኣለዎ ኢለን።

ናይ ሃገር ፍቕሪ፣ ናይ ዓላማ ፅንዓት፣ ንኹሉ ዓይነት ፍልጠት ክፍቲ ምዃንን በቢግዜኡ ንብዕሉ እናመሓየሸ ምንቅስቓስ ካብ ዲፕሎማት ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ ክብላ ምዝራበን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.