Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ለውጢ ዘጋጠሙና ፈተናታት ከመይ ሓሊፍናዮም ዝብል ምርኣይ ግቡእ ኢዩ -ቀዳማይ ሚኒስት ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ  ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ብብርኪ ሃገር ድሕሪ ለውጢ ኣብ ከይዱ ዘጋጠሙ ዕንቅፋታት ብትኽክል ምግንዛብን ተሓሳቢ ምግባርን ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ ወራር ኣንበጣ፣ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19፣ ውሕጅ፣ ድርቂ ካብ ዘጋጠሙ ተፈጥሮኣዊ ዕንቅፋታት ንኣብነት ረቚሖም።

ብተወሳኺ ዘጋጠመ ሰብ ስራሕ ኲናት ልዑል ሰብኣዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው ከምዘስዓበ ተዛሪቦም።

ምምዝባልን ዘይግባእ ፅዕንቶ ወፃኢን ከምኡድማ ኩነታት ውሽጢ ዓዲ ቁርብ ምዝሕሓል እንተርእይ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ዘስዓቦ ዓለም ለኸ ተቓላዓይነት ንዓና እውን ዘልዩና ኢዩ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

ብመንፅር እዚ  ዘጋጠሙና ፈተናታት ከመይ ሓሊፍናዮም ዝብል ምርኣይ ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

ዝተገበረ ኲናት ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ናይ ምድሓን ስራሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ንምዕባለ መሰረት ኣንቢርና ኢና ክብሉ ኣብሪሆም።

“እዚ ኩሉ ፈተና ከም መንግስቲ ይኹን ፓርቲ ብግቡእ ከይተወደብና ዘጋጠመና ፈተና ምዃኑ ተሓሳቢ ምግባር ይግባእ”  ክብሉ ገሊፆም።

ምስ መሰረተ ልምዓት መገዲ ብምዝማድ፥ ቅድሚ ልውጢ ብብርኪ ሃገር 127 ሺሕ ኪሎ ሜትር ሽፋን መንባሩ ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ለውጢ ብዝተሰርሐ ስራሕ 165 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 60 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ 151 ኪሎ ሜትሮ ብብንርኪ ኣስፋልት ከምዝተሰርሐን ካብ ኣስፋልት ወፃእ 470 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ከምዝተሃነፀን ሓቢሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝቕባበ ዋጋ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝነብሩ ዜጋታት ዝጎድእ ከምዝኾነ ብምሕባር መበገደሲኡ ድማ ሕፅረት ፍርያትን ዕቤት ጠለብን፣ ስርዓት ዕዳጋ፣ ምትእጉጓ መፍረያይነት፣ ኣጠቓቕማ ፋይናንስ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመንጽር ካልኦት ሃገራት ብዝተሓተ መልክዑ 33 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ “ይኹን እምበር እዚ እውን ንኢትዮጵያ ቀሊል ኣይኮነን” ኢሎም።

እቲ ኩነታት ንምስትኽኻል መብራህቲ፣ ማይ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲን ድጎማ ብምግባር ብመንግስቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ከም ምክፋል መኣዲ ዝበሉ ስራሕቲ እውን ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብሩ ዜጋታት ከምዝጠቐመን ገሊፆም።

ንዓቕመ ደካማታት 8 ሺሕ ገዛውቲ ከምዝተሓደሱን ተወሰኽቲ እናተሓደሱ ከምዝኾኑን እውን ተዛሪቦም።

ማእኸላት ዕዳጋ ሰንበት ንሕብረተሰብ ተበፃሕቲ እናተገበሩ ከምዝኾኑ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጠን ቀረብ ባኒ 20 ሺሕ ጥራሕ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መሰንከቲ ባኒ ሸገርን ብርሃንን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2 ሚሊየን ባኒ እናተሰንከተ ከምዝኾነ ከምኡ እውን 10 ማእኸለዎት ፋብሪካታት ባኒ እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ትካላት ሕርሻ ገደና እንተዝትግብሩ ንውሕስና ምግቢ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.