Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ክብ ምባሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝተፈጠረ ጎንፂ ነቲ ኣብ ደገ ዝስራሕ ዲፕሎማሲ ዓብይ ፈተና ከምዝነበረ ምስ መሶብ ፋና ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ጋና ኣንባሳደር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ሓቢሮም ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ኢትዮጵያ ንምስኣን ሰላምን ዘይምርግጋእን ኣቃሊዑዋ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምርግጋዕ ዘይምህላው ድማ ነቲ ኣብ ደገ ዝስራሕ ዲፕሎማሲ ዓብይ ፈተና ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ይበል ዘብል ከምዝኾነን ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ ሰላም ብኣፍሪካውያን ይኹን ኣውሮፓውያን ልዑል ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምግላፅ፥ እቲ ከይዲ ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ንክቕፅል ብዕቱብ ይስራሕ ምህላው ሓቢሮም፡፡

በድምር ውፅኢቱ እንትዕቀን፥ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ክብ ምባሉ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ኣምባሳደር ሃደራ፥ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንክናገፍ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት’ኳ እንተኾነ መንግስትን ዲያስፕራን ግና ዛይዳ እጃም ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ብክንዲሓፍቲ ሃ/ስላሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.