Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታው ሚስጢር መንግስቲ ኣብ ወፃኢ ንዘሎ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ኣብዛ ሃገር ህውከትን ዕግርግርን ንክውላዕ ብምግባር ገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቕ፣ ዳይሬክተር ሕጊን ፍትሒን ኣይተ  ተስፋኣለም ይሕደጎን ሓላፊ ድሕንነት ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣይተ ኣፅብሃ ኣለማየሁን ካልኦት ክልተ ውልቀ ሰባትን ኢዮም።

መርመሪ ፖሊስ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝሰርሖም ምርመራ ንቤት ፍርዲ ዘቕረበ እንትኸውን፥ ናይ ሰብ ምስክር ምቕባሉን ሚስጢር መንግስቲ ኣሕሊፎም ምሃቦምን ዘረድኡ መረዳእታታት ከምዝኣከበ ተዛሪቡ።

ኣብዛ ሃገር ህውከትን ዕግርግርን ንክፍጠር ይሰርሑ ነይሮም ዝበለ እቲ መርማሪ ፖሊስ፤ 22ን 23ን ሰነ 2012 ዓ.ም ሕገ መንግስቲ እዛ ሃገር ብሓይሊ ንምፍራስ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ብምዃን ብምስራሕ ተጠርጢሮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ንተወሳኺ ምርመራ 14 መዓልታት ንክወሃቦ እወን ሓቲቱ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ ንኻልኣይ ግዜ ተትሒዞም ምቕራቦም ኣግባብነት ኣይብሉን፤ ተወሳኺ ጊዜ ክፍቀድ ኣይግባእን ዝብል መቃወሚ ኣቕሪቦም። ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ንክወፅኡ እውን ሓቲቶም።

እቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ፥ እቲ መዝገብ ብምቕራብ ትእዛዝ ንምሃብ ን11 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.