Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ሊያ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ኤካ ኮተቤ ዑደት ኣካዪደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ኤካ ኮተቤ ዑደት ኣካዪደን።

ብተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ሕክምነኦም እናተኸታተሉ ኣብ ዝርከብሉ ማእኸል ኣብ ዝገበረኦ ዑደት፥ ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝበለፀ ክመሓየሽ ምኽኣሉ ምዕዛበን ተዛሪበን።

ብተወሳኺ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ሙሉእ ብሙሉእ ዝሓወዩ ሰባት ረኺበን ዘዘራረባ እንኾና፥ እቶም ተሓከምቲ ብዝረኸቡዎ ኣገልግሎት ዕጉባት ምዃኖም ምስመዐን ከምዘሐጎሰን እውን ገሊፀን።

እቲ ማእኸል፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ተፈሊዮም ግልጋሎት ሕክምና እናረኸቡሉ ዝርከብ ማእኸል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.