Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ መስራቲት ሆስፒታል ፌስቱላ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊየን።
 
ብሕማም ፌስቱላ ንዝተጠቐዓ ኣዴታት ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ዝፍለጣ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ኣብ መበል 96 ዓመተን ኢየን ትማሊ ዓሪፈን።
 
ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ፌስቱላ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምጥያሽ ንልዕሊ 60 ዓመታት ሕክምና ፌስቱላ ሂበን ኢየን።
 
ብመሰረት እዚ ፀገም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣኒስቲዮ ዝቐረፋ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፥ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ክብሪ ዜግነትን ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ተበርኪቱለን ኢዩ።
 
እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.