Fana: At a Speed of Life!

ጂ ኤን ቢ ዝተብሃለ ትካል ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣበ ፍርያታት ቴክኖሎጂ ክዋፈር ከምዝገደሊ ገሊፁ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኡ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝኾነ ጂ ኤን ቢ ዝተብሃለ ትካል ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ኣብ ዘዕብዩ ፍርያታት ቴክኖሎጂ ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ትካል ኬን ሃሪሰን ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ጀማል በከር ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም እተፍርዮም ምህርቲታት ፅሬቶም ዝሓለዉን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ክኾኑን ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ እቲ ትካል ሓገዝ ንኽገብር ሓቲቶም።

ብፍላይ እብ ዓውዲ ምውሃድ (ማቀነባበር) ፍርያት ሕርሻ ቴክኖሎጂ ዝጥቀም ስርዓት ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ከምዘድሊያ ኢዮም ዝገለፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ትካል ኬን ሃሪሰን ብግደኦም፥ ትካሎም ኣብ ኣብ ምውሃድ ምግቢን መስተን፣ ኣብ ፍርያታት እታወት ሕክምና፣ ኣብ ዘፈር ትራንስፖርትን ምፍራይ ኣቕሑት ምርምር ህዋን ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘሎ ገሊፆም።

ትካል ጂ ኤን ቢ፥ ኣብ ዘፈር ጥዕንኡ ዝተሓለወ ፍርያት ምግቢን መስተን፣ ፍርያት ሕክምናን እታወት ሕክምናን፣ ዘፈር መጓዓዚያ፣ ንምርምር ህዋ ሳይንስ ኣብ ዘድልዩ ኣቕሑትን መተሓላለፊ ኤሌክትሪክን ዝተዋፈረ ትካል ምዃኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.