Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ራዕዲ ሸኔን ንባዕሉ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ብምባል ዝፅውዕ ጉጅለ ዕጡቕን ሃንደበት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ፈሺሉ-ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ራዕዲ ሸኔን ንባዕሉ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ብምባል ዝፅውዕ ጉጅለ ዕጡቕን ሃንደበት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብዝተዋደደ ፃዕሪ ሓይሊታት ፀፅታ ፈሺሉ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ገሊፆም።

ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ብዝወሰድዎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ብዙሓት ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከተማ ጋምቤላ ዝተረጋገዐት ከምዘኾነት ተዛሪቦም።

ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምስላፍ እቲ መጥቃዕቲ ነክፈሽል ንዝገበርዎ ሓገዝ አመስጊኖም።

ሐዚ እውን ሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲን ህዝብን ኣብታ ከተማ ሰላም ንክህሉ ዓሊሞም ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.