Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ራያ ቆቦ ዝኸፍአ ጭፍጨፋ ከምዝፈፀመ መሰኻኽር ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም ኣብ ራያ ቆቦ ብዝፈፀሞ ጅምላ ጭፍጨፋ ሓረስቶት፣ ህፃናትን ኣደታትን ሓዊሱ ካብ ገዝኦም እናውፀአ ከምዝረሸነ ካብ ጨፍጫፍ ኣምሊጦም ዝወፅኡ መሰኻኽር ገሊፆም።

ምስ ሪፖርተራት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩን ጨፍጫፍ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝተመልከቱን መሰኻኽር ዓይኒ፥ ኣብ ራያ ቆቦ ብዙሓት ብዘይ ርህራሄ ብጅምላ ተቐቲሎም ኢዮም ኢሎም።

ነባሪ እቲ ከባቢ ዝነበሩ ካሳው ኣማረ፥ እቲ ወራሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ምስ ኣተወ ደቂ ኣንስትዮ ምዕማፅን ህፃናት ምቕታልን መዓልታዊ ተግባሩ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኢዶም ብጭካነ ከምዝቖረፆም ተዛሪቦም።

ጳጉሜን 4 አረመኔው ቡድን ባካሄደው ጭፍጨፋ ከ50 በላይ አስክሬን መመልከታቸውንም ተናግረዋል

እቲ ጉጅለ 4 ጳጉሜን ኣብ ዘካየዶ ጨፍጫፍ ልዕሊ 50 ኣስከሬን ከምዝተዓዘቡ እውን ገሊፆም።

ካሊእ ምስክር ኣይተ በላይ እያሱ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ጁንታ 4 ጳጉሜ መንበሪ ደሊዮም ዝመፅኡ 16 መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ብምቕታል ናይ ማይ ካድራ ዓይነት ጨፍጫፍ ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

ብስናይፐር ገፆም ተወቒዖም ካብ ሞት ዝተረፉ ኣይተ መንገሻ ኣሊ ብግደኦም፥ በቢ መዓልቱ ኣባላት ጉጅለ እቲ ጁንታ ገዛ ንገዛ እናዞሩ ብዙሓት ንፀኹን ዜጋታት ከምዝቐተለን ናይ ቀረባ መሓዘኦም ሓዊሱ 15 ኣስከሬን ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም።

ስድረኦም ሓዊሱ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት እቲ ከባቢ ኣብ ልዑል ጭንቀትን ስጋትን ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ካሊእ ዝኸፍአ ጥፍኣት ቅድሚ ምብፅ ዝምልከቶ ኣካል ክበፅሐሎም ከምዝግባእ እውን እቶም መሰኻኽር ሓቲቶም።

ብከድር መሓመድን ሃብታሙ ተክለስላሴን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.