Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ንመህነፂ ስታዲየም ዝኸውን ካርታ መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬት ተዋሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ንመህነፂ ስታዲየም ዝኸውን ካርታ መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬት ሂቡወን።

እቲ ካርታ መረጋገፂ ትሕዝቶ መህነፂ ስታዲየምን ማእኸል ስፖርትን፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ንኽልቲአን ጋንታታት ከምዘረከቡወን ካብ ፕሬስ ሴክሪታሪ እቲ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ጋንታታት ኣምባሳደራት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ምዃነን ብተወሳኺ፥ ኣብ ምርግጋፅ ስፖርታዊ ጭዋነትን ኩለመዳይ ሰላምን ግደአን እናተፀወታ ከምዝርከባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ኣብቲ እዋን ገሊፆም።

ክልቲአን ጋንታታት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ንኸዓቢን መናእሰይ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ካብ ምውዓል ተዓቂቦም ኣብ ስፖርት ንኸድህቡን ኣብ ዝገብረኦ ምንቅስቓስ፥ እቲ ከተማ ምምሕዳር ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መበል 11 ሰሙን ፕሜርሊግ ኢትዮጵያ ደርቢ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት፥ ብሰላምን ስፖርታዊ ጭዋነት ብዘዓሰሎ መገዲን ክዛዘም ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ንኽልቲአን ጋንታታት ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

ኣመራርሓታት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ብግደኦም፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብፍላይ ምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ንመህነፂ ስታዲየም ዝኸውን መሬት ሓዊሱ ዝገብሮም ዘሎ ካልኦት ሓገዛት ምስጋና ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.