Fana: At a Speed of Life!

ጋዜጠኛ ፍቅሩ ወልዱ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ ፍቅሩ ወልዱ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም መንሽሮ/ካንሰር ደም ካብዚ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ብሞት ተፈሊዩ።

ጋዜጠኛ ድምፂ ወያነ ትግራይ ዝነበረ ፍቕሩ ወልዱ፥
እቲ ሕማም ምስ በርትዖ ካብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ንህፁፅ ሕክምና ተወሲዱ።

ይኹን እምበር ሎሚ ኣማሲዩ ከምዝዓረፈ ተገሊፁ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ፥ ወኪል ቴለቪዥን ድምፂ ወያነ ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሕ ከምዝነበረን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናብ መቐለ ተመሊሱ ይሰርሕ ምንባሩን ይፍለጥ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ቅድሚ ናብ ድወት ምእታዉ፥ መቐለ ኣብ ዝርከብ ጋዜጣ ወይን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ክፍሊ ቋንቋ ኣምሓርኛ፣ ትግርኛ ብሪፖርተርነትን ኣሰናዳእነትን ሰሪሑ።

ፍቕሩ ወልዱ ወዲ 33 ዓመትን ኣቦ ሓንቲ ጓልን እዩ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ፍቅሩ ቀትርን ለይትን ዝሰርሕ ውፉይ፣ ምቕሉል፣ መስተውዓላይን ፈታዊ ዓዱን ምዃኑ ናይ ሙያ መሓዙቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ፉና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ብሃንደበታዊ ሕልፈት ህይወት ጋዜጠኛ ፍቅሩ ወልዱ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ፥ ንመላእ ስድራኡ፣ ፈተውቱ፣ መሓዙቱን መሳርሕቱን ፅንዓት ይሃብኩም ይብል!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.