Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኣዲስ ኣበባ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንዳግመ ህንፀት ሰሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኣዲስ ኣበባ ምቁርራፅ ሓይሊ ንምፍታሕ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንዳግመ ህንፀት ከምዝሰለዐ ኣፍሊጡ።

መካየዲ ስራሕ ኮሙኒኬሽን እቲ ግልጋሎት ዮሃንስ ገብሬ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒ÷ ኣብታ ከተማ ፀገም ምቁርራፅ ሓይሊ ንምፍታሕ እናተወገነ ብዛዕባ ዝርከብ ስራሕ ኣልዒሎም፡፡

መበገሲ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንነዊሐ እዋን ሕድሳትን መመሓየሺን ዘይተገበረሎም መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ንምምሕያሽ 122 ኪሎ ሜትሮ መመሓየሺ ትሑት መስመር፣ 44 ኪሎ ሜትሮ መመሓየሺ ማእኸላይ መስመር፣ 216 ምምሕያሽ ዓቕሚ ትራንስፎርመር ከምዝካየድ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 50 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝርከባ ከተማታት ዝተጀመረ መስመር ናይ ምሕዳስ ፕሮጀክት ተፈፃሚ እንትኸውን ምቁርራፅ ከምዝንኪ ኣብሪሆም፡፡

ብሲሳይ ሉላ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.