Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ጥዕና ውፅኢታዊ ዝገብር ግልጋሎት ብሄራዊ መታወቂያ ተግባራዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና ውፅኢታዊ ንምግባ ዘኽእል ግልጋሎት ብሄራዊ መታወቂያ ተግባራዊ ምግባሩ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ፕሮግራም ብሄራዊ መታወቂያ ብምዃን እቲ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ÷ “ፋይዳ” ብዝተብሃለ ብሄራዊ ዲጂታል መታወቂያ ኣቢሉ ኣወሃህባ ዘፈር ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ከምዝሕግዝ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ብሄራዊ ዲጂታል መታወቂያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ተግባራዊ ብምግባር ፅሬት ዘለዎን ቅልጡፍን ግልጋሎት ካብ ምሃብ ሓሊፉ ምሕደራ ሓበሬታ ተሓከምቲ ንምዝማን ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎ” ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ጥዕና ንምዝማን ብሄራዊ ዲጂታል መታወቂያ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ልዕሊ 17 ሺሕ ኬላታት ጥዕና ዲጂታላይዝድ ንምግባር ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጠን፡፡

ዘፈር ጥዕና ምስ ብሄራዊ ዲጂታል መታወቂያ ብምውዳድ ብሄራዊ ስርዓት መድሕን ጥዕና፣ ኣወሃህባ ፍቓድ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ሓበራዊ ማህደር ጥዕናን መሰል ግልጋሎታትን ንምብልፃግ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.