Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲነትን ፅንፈኝነትን ንምቅላስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሓባር ከምዝሰርሓ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲነትን ፅንፈኝነትን ንምቅላስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሓባር ከምዝሰርሓ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣፍሊጠን።

ላዕለዎት ኣመራርሓ እተን ክልላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ክልለ ኦሮሚያ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ቀፃሊ መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲን ምምካት ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንዝፈፀሞ ተግባር ናይ ኢዱ ንክረክብ ብሓባር ሕጊ ናይ ምኽባር ስረሖም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ተመሳሳሊ ፀገም ፀፅታ ንከየጋጥም ምስ ህዝቢ ብምውዳድ ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

ሸኔ ናይ ኣምሓራ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ኢትየጵያ ፀላኢ ስለዝኾነ መላእ ኢትዮውያን እቲ ስጉምቲ ብፅንዓት ክድግፍዎ ኣለዎም ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ እቲ ፀላኢ ካብ እዋን ለውጢ ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ህዝቢ፣ ኣመራርሓን ሓይሊታት ፀፅታን መስዋእትነት ከምዝኸፈሉ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሚያን ንምፍልላይ ኢዩ እወን ኢሎም።

ይኹን እንበር ሓድነት ክልቲኦም ህዝብታት ብፍፁም ኣይስበርን ክብሉ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲነትን ፅንፈኝነትን ንምቅላስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሓባር ከምዝሰርሕ ድማ ኣመራርሓ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣፍሊጦም።

ብኣልአዛር ታደለ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.