Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተስፋ ስለዝቖረፀ ናብ ኣራዊት ዝተቐየረ ጉጅለ ኢዩ – ኣይተ ኣወል ኣርባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተስፋ ስለዝቖረፀ ናብ ኣራዊት ዝተቐየረ ጉጅለ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንፁሃን ምቕታሉ፣ ምምዝባሉን ንብረት ምዝራፉን ምዕናዉን ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ልዕሊ ንብረት መንገስቲ ሃፍቲን ንብረትን እናዘረፈ ዝርከብ ግፍዐኛ ጉጅለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክሕገዙ እምበር ክዝረፉ ዘይግበኦም ዘኽታማትን ምርኣይ ዝተስኣኖምን እንተይተረፈ ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ተግባር እናፈፀመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ካብ ሰብኣውነት ርሒቑ ባህሪ ኣረመኔን ኣራዊትን እናተላበሰ ዝርከብ ተስፋ ስለዝቖረፀ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ህወሓት ኣራዊት ከምዝኾ ተረዲኡን ተገንዚቡን እቲ ጉጅለ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ክስለፍ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.