Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝኹንኑ ሰልፊታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ግብረ ራዕዳውያን ንምኹናን ዝወፅኡ ሰልፈኛታት ህወሓትን ሸኔን ዝገበሩዎ ጥምረት ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ኮኒኖም።

እቶም ነበርቲ ግብረ ራዕዳውያን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገበሩዎ ስምምዕነት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጨለንቆ ኣካይዶም።

ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ እናዓፈነን ብሽም ኦነግ ብዙሓት መናእሰይ እናረሸነን ምስ ዝነበረ ህወሓት ዝሰርሕ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ቦረና ከተማ ዱቡሉቅ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ፡፡

ስለዝኾነ ክልቲኦም ጉጅለታት ዝገበሩዎ ስምምዕነት ተቐባልነት ዘይብሉን ንሓድነት ኢትዮጵያን ዘየድሊ ምዃኑ ምግላፆ ኦቢቤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.