Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ንህያብ ወይድማ ብናይ ካሊእ ወገን ትእዛዝ ዝስራሕ ፕሮጀክት ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ – መንግስቲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ናይ ምህናፅ ምሉእ መሰል ዘለዋ ምዃኑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ብሓባር ብምዃን መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ገዱ ኣብቲ መግለፂ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሃፍቲ ተፈጥሮ ተጠቒማ ዜጋታታ ካብ ድኽነት ናይ ምንጋፍ ሙሉእ መሰል ኣለዋ።

ይኹን እመበር ከም ሩባ ኣባይ ዝበለ ሃፍቲ ተፈጥሮ እንትተልምዕ፥ ኣብቲ ሩባ ህይወተን ዝመስረታ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ስለዘለዋ እተሃንፆ ግድብ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ርኡይ ፅዕንቶ ከየብፅሕ ጥንቃቐ ብምግባር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግድብ ካብ ዲዛይኑ ጀሚራ ነዙይ ኣብ ግምት ኣእቲያ ኣብ ምስራሕ ከምእትርከብ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዋላ እኳ በዙይ መልክዑ እናሃነፀት እንተኾነት እተን ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት መረጋገፂ ስለዘድለየን ናብ ድርድር ከምዝተኣተወ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር፥ ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ብብዙሓት ጉዳያት ተደራዲረን ኣፈላላየን ከፅብባ ከምዝኸኣላ ገሊፆም።

ኣብ ኣሜሪካ እናተገበሩ ዝነበሩ ድርድራት እውን ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ኣብ ስምምዕነት ተበፂሖም ዋላ እንተነበሩ፥ ኣብ ጉዳይ ሕጊን ቴክኒክን ኣብ ምርድዳእ ዘይተበፅሑ ዛዕባታት ኔይሮም ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ፥ ብድርድርን ብልዝብን እቶም ጉዳያት ክፍትሑ ይኽእሉ ኢዮም ኢላ ከምትኣምንን ኣብ ሓደሓደ ጉዳያት ግዘ ብምውሳድ ብዕምቆጥ ክትዛተ ከምትደሊ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

ብወገን ግብፂን ኣሜሪካን እቲ ስምምዕነት ብቕልጡፍ ክፍረም ድሌት ከምዘርአያ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ይኹን እመበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብግቡእ ክርዳእን ክሳተፍን ኣለዎ፤ እዚ ድማ ግዘ ዝወስድ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ወፃእ ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ግደ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ክፍታሕ ዝግበኦ ካሊእ ጉዳይ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ካብ ተዓዛቢነት ሓሊፎም ሕጊ ኣርቂቖም ናይ ምቕራብ ድሌት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ምድርዳር፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕ ጥራሕ ንኹሉ መፍትሒ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ ግብፂ ነዙይ ተገንዚባ ተስመዖ ዘላ ፈኸራ ረብሓ ዘይብሉን ንዝኾነ ይኹን ወገን ዘይጠቅምን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ምሕራፍ ሓሊፉ ካሊእ ረብሓ ዘይብሉ ምዃኑን ክትርዳእ ይገባእ ኢሎም።

ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር፥ ሱዳን ግድብ ህዳሰ ይጠቕመኒ ኢዩ ዝብል ጥንኩር ቅዋም ከምዘለዋን ሩባ ኣባይ ናይ ምቁፅፃር ድሌት ዘለዋ ግብፂ ጥራሕ ምዃናን እውን ኣብሪሆም።

ኣሜሪካ ነዙይ ኣብ ግምት ብምእታው እተን ሃገራት ባዕለን ኣብ ስምምነት ንኽበፅሓ ሰናይ ተግባር ጥራሕ ንክትዋፃእ ድሌት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ ካብዚ ዝሓለፈ ግደ ንማንም ከምዘይጠቅምን ብፅዕንቶ ካልኦት ሃገራት ዝኸውን ነገር ከምዘይህሉን ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ብግደኦም፥ ህንፀት እቲ ግድብ ምስ ስራሕቲ ሓፂን፣ ምትካል ተርባይንን ዓቕሚ ናይ ተቛረፅቲን ተተሓሒዞም ዝነበሩ ፀገማት ብምውፃእ ብቕልጡፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ማይ ምዕቛር ከምዝጅምር ዘረጋገፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብቲ እዋን 4 ነጥቢ 9 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ከምዝዕቆር ዕላዊ ገይሮም።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ ከባቢ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ስራሕቲ ፈተነን ምፍልፋል ሓይሊን ክጅመር ኢዩ ኢሎም።

ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ምስ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ምይ እቲ ግድብ ተተሓሒዙ ኣግባብ ዘይኮኑ ማዕቐፋት ሕጊ ክቐርቡ ኣይንደሊን ክብሉ ኣገንዚቦም።

“ምስ ኣመላልኣ ማይ ተተሓሒዙ ብግልፂ ዝተቐመጠ ኢዩ፤ ካብ ውሽጢ እዚ ድርቂ እንትፍጠር ዝብል ሓሳብ ኢዩ ኣካታዒ፤ እዙይ ክሳብ ዝፍታሕ ድማ ግዘ የድልዮ ኢዩ” ብምባል ገሊፆም።

እንፍርሞ ስምምዕነት ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ምስ ህዝቢን ምስ ዝምልከቶም ትካላት እቲ ዓውዲን እኹል ዘተ ብምግባር ኢዩ ክፍረም ከምዝግእ ኣብሪሆም።

ካብዚ ወፃኢ ግን ብቑዕ ዘይኮነ ሰነድ እንትቐርብ ኣይንፍርምን ኢሎም።

ምስ ግደ ኣሜሪካ ብዝተትሓሓዘ ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ኣኼባ ቴክኒክ ኣደራዳሪ ይኹን ኣመዓራራዪ ኣካል ከምዘይትደሊ ገሊፃ ዋላ እንተነበረት፥ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብዘቕረቡዎ ሕቶ ብመሰረት ብተዓዛቢነት ንኻኸኣትዉ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተኻየዱ ኣርባዕተ ኣኼባታት ቴክኒክ እውን በቲ ዝተውሃባ ግደ አእናቐፀለት ከምዝነበረት ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.