Fana: At a Speed of Life!

ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚ ምፍራይ ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ከምዘዕበዮ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚ ምፍራይ ሃገር በቆል ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንዱስትሪታት ከምዘዕበዮ ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ገሊፆም።

እቲ ጎስጓስ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ንምትካእ፣ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታትት ብፅሬትን በዝሒን ንምፍራይ ከመኡ እውን ፍርያታት ሕርሻን መዓድንን እታወት ብምውሳኽ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መፍረያይነት ፋብሪካታት ከምዝዓበየን ዓበይቲ ኢንቨስተራት ወፃኢ ኣብ ዓውዲ ምፍራይ ንኽዋፈሩ ዕድል ከምዝፈጠረን ፀሪሖም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ብግደኦም÷ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብቲ ክልል ኣብ ስራሕን ባህሊ ምጥቃም ፍርያት ሃገርን ለውጢ ከምዘምፀአ ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ÷ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ኢንቨስትመንት፣ ኢንዱስትሪን ልምዓት ከተማን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሴክተራት ዝረአ ውፅኢት ዝተመዘገበሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተዓፂዮም ዝፀንሑ 10 ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ኣብ ሕርሻን ምቅንብባር ፍርያትን ብዙሓት ንኽዋፈሩ ከምዘኽአለ ተዛሪቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ከምዝገለፁዎ÷ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ጥንኩር ምውዳድ ልምዓት ኢንዱስትሪ መዳርግቲ ኣካላት ዝፈጠረን ናይቲ ዓውዲ ማሕለኻታት ዝፈትሐን ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.