Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ኣጠቓቕማን ግዳማዊ ሓደጋን ኣፋውስ ንምቅላል 6 ማእኸላት ተጣይሸን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀገም ኣጠቓቕማን ግዳማዊ ሓደጋን ኣፋውስ ንምቅላል ዝኽግዙ ሽዱሽተ ማእኸላት ምጥያሸን በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣጠቓቕማ ኣፋውስ ተተሓሒዞም ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ዳይሬክተር ድሕንነት ቁፅፅር ዝግበረሎም ፍርያታት እቲ በዓል መዚ ወይዘሮ ኣስናቀች ኣለሙ ገሊፀን።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ፀገም ኣጠቓቕማን ግዳማዊ ሓደጋን ኣፋውስ ንምቅላል ዝሰርሑ ማእኸላት ምጥያሽ እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ሓደ ሓደ እዋን ኣፋውስ ብኣግባቡ እንተዘይተወሲዶም ናይ ምልማድ ባህሪ ስለዝህልዎም መድሓኒትነቶም ተሪፉ ግዳማዊ ጉድኣት ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ዝገለፃ እተን ዳይሬክተር፥ እተን ማእኸላት ነቲ ፀገም ዝኸውን መፍትሒ ከቕርባ ኢየን።

ብመሰረት እዚ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለ፣ ጅማ፣ ሃዋሳን ጎንደርን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ዝተጣየሻ ማእኸላት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ጀሚረን ናብ ስራሕ ምእታወን ገሊፀን።

እተን ማእኸላት መድሓኒት ዝወስዱ ሰባት ዘጋጥሙዎም ግዳማዊ ሓደጋ ኣፋውስ ንኽፈልጡ ዘኽእላ ኢየን ተባሂሉ።

ድሕሪ ምጥያሽ እተን ማእኸላት፥ 6 ሺሕን 800 ሓበሬታታት ካብ ሕብረተሰብ ከምዝመፅኡን ምስ ሓበሬታ ዝተውሃበሎም ኣፋውስ ንኽቕየሩ ከምዝተገበረን እውን ኣፍሊጠን።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.