Fana: At a Speed of Life!

ፆም ረመዳን ብፍቕሪ፣ ምትሕስሳብን ምትሕዝዛንን ክሓልፍ ይግባእ- ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፆም ረመዳን ብፍቕሪ፣ ምትሕስሳብን ምትሕዝዛንን ክሓልፍ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስ ተዛሪቦም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ወርሒ ብፍቕሪ፣ ምትሕስሳብን ምትሕዝዛንን ክሓልፍ ይግባእ ኢሎም።

ካብ ገበንን ወፅዓን ብምቑጣብ ናብ ፈጣሪ መቕራብ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረኣዩ ምምዝባልን ሞትን ዜጋታት ብምውጋዝ፥ መነግስቲን ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊን ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ምኽባር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣቦታት ሃይማኖት ምእመናን ከምህሩ ይግባእ ዝበሉ  ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስ፥ ኩሉ ሰብ ንሓድነትን ሰላምን ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብማህሌት ተኽለብርሃን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.