Fana: At a Speed of Life!

ፈላማይ ክታበት ዓሶ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ክከፋፈል ኢዩ  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ፈላማይ ክታበት ሕማም ዓሶ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዘከፋፍል ኣፍሊጡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሓበሮ÷ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልቲታት 18 ሚሊየን ክታበት ሕማም ዓሶ ናብ 12 ሃገራት ኣፍሪካ ክከፋፈሉ ኢዮም።

‘ሞስኪውሪክስ’ ዝተብሃለ እቲ ክታበት÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላዊን ብብርኪ ፈተነ ን1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ህፃናት ከምዝተውሃበ ዓለም ለኸ ጥምረት ክታበትን ፈነድ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ቤኒን፣ ቡርኪና ፋሶ፣ ቡሩንዲ፣ ካሜሩን፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ላይቤሪያ፣ ኒጀር፣ ሴራሊዮንን ኡጋንዳን ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክታበት ከምዝርከባ ተገሊፁ።

እቲ ክታበት ንምውሳድ ክሳብ ሕዚ 28 ሃገራት ድሌት ዘርአያ እንትኾና÷ ፈላማይ ክታበት ኣብ መወዳታ እዚ ዓመት ፈረንጂ ናብተን ሃገራት ክበፅሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ጣራሕ ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ናብ 500 ሺሕ ህፃናት ብሕማም ዓሶ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምፅራሕ ኣርቲ ፀብፂቡ።

ኣብ ብሪታንያ ብኩባኒያ ዓለም ለኸ ፋርማሲዩቲካል ዝፈረየ ክታበት ከምዝኾነ እውም እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.