Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ብሓድሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና ዝተለኽፈ ናይ ፈለማ ሰብ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ብሓድሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና ዝተለኽፈ ናይ ፈለማ ሰብ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ብሪታንያ ዝመፀ ፈረንሳዊ ምዃኑ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣረጋጊፁ።

እቲ ሕሙም ዝኾነ ምልክታ ትከም ዘይነበሮ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ምህላው ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብሪጣንያ ምስ ተረኽበ ብዙሓት ሃገራት ዶባተን ዓጽየን እየን።

ዶባታ ዓጽያ ዝጸንሐት ፈረንሳ፡ ነቶም ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ዘረጋገጹ ክኣትው ብምፍቓድ ካብ ረቡዕ ጀሚራ ነቲ ቀይዲ ኣልዒላቶ ኣላ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መራሕቲ ናይ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ግን ንበዓል ልደት ኣብቲ ንፈንሳን ብሪጣንያን ዘራኽብ መትረብ እንግሊዝ ኣብ መኪንኦም ኮይኖም ከሕልፍዎ ተገዲዶም እዮም።

ካልኦት ሃገራት’ውን ነዚ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከም ዝረኸባ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ጃፓን፡ ኣብ ሓሙሽተ ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ ገያሾ ነቲ ቫይረስ ከም ዝረኸበት ክትሕብር እንከላ፤ ዴንማርክ ኣውስትራልያን ኔዘርላንድስን ኣቐዲመን ምርካበን ገሊጸን እየን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.