Fana: At a Speed of Life!

ፊፋ ናይ 2 ነጥቢ 79 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ንኣባል ሃገራቱ ንልምዓት ኩዕሾ እግሪ ዝውዕል 2 ነጥቢ 79 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ኣብ ኮንፌዴሬሽናት ሽዱሽቲአን ኣህጉራት ዝርከባ ልዕሊ 1 ሺሕን 600 ፕሮጀክታት ተረባሕቲ ክኾና ኢየን ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚዳንት ፊፋ ጂያን ኢንፋቲኖ÷ ካብ ኩዕሾ እግሪ ዝተኣከበ ገንዘብ ንዕቤት ኩዕሾ እግሪ መሊስካ ንምውዓል ዝኣተናዮ ቃል ፈፂምና ኢሎም፡፡

ኣብ ኩዕሾ እግሪ መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ሓለፍነትና ኢዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ፊፋ እዚ ልምዓት ኩዕሾ እግሪ ግልፂ ብዝኾነ መገዲ ንምትግባር ዘኽእል ውዳበ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ፊፋ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2016 ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን 2 ነጥቢ 24 ቢሊየን ዶላር ጥራሕ ዝመደበ እንትኸውን÷ ኣብ 2023 ጥራሕ 2 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ከምዝመደበ ፊፋ ንልምዓት ኩዕሾ እግሪ ዓለም ፍሉይ ትኹት ምሃቡ ዘርኢ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.