Fana: At a Speed of Life!

ፊፋ 32 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዓለም ለኸ ውድድር ፅዋዕ ምድላዉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ(ፊፋ) 32 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዓለም ለኸ ውድድር ፅዋዕ ምድላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዙራት ቻምፒዮንስ ሊግ ዝተሳተፋ ጋንታታት ዝካተታሉ እቲ ውድድር፥ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 13 ሓምለ 2025 ዓ.ም.ፈ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፥ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር፥ ስሩዕ ፀወታታት ሊግን ዓለም ለኸን ብዘይትንክፍ መገዲ ከምዝተሰናደአ ተዛሪቦም።

እተን 32 ጋንታታት፥ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ካብ ዝርከባ ሽዱሽተ ኮንፌዴሬሽናት ዝተውፃእፅኣ ጋንታታት ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓማውቲ ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ዘልዓለ፥ ጋንታ ቼልሲ፣ ማንቼስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ብዘይ ምንም ምፅራይ ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ኢየን ክብል ቢቢሲ ስፖርት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.