Fana: At a Speed of Life!

ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኦሮሚያ ንሰራዊት ምክልኻል ልገሳ ደም ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኦሮሚያ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልገሳ ደም ኣካይዶም።

እቶም ማሕበራት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ዘተ ብምግባር፤ ንሰራዊት ምክልኻል መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም ምክያዶም ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፥ ፤”ሰራዊት ምክልኻልና ደጀንን ሉኣላዊነትን ሃገር ስለዝኾነ ብእንኽእሎ ነገር ኩሉ ኣብ ጎኑ ደው ክንብል ኢና” ክብሉ ቆራፅነቶም ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ኦሮሚያ ወይዘሮ ጀሚላ ሰምብሩ፥ ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኦሮሚያ ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ልምዓት ሃገርን ምርግጋፅ ሰላምን ልዑል ግደ እናተፃወቱ ከምዝርከቡ ገሊፀን።

ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ብምልጋስ ዘርኣዩዎ ሓገዝ እውን ምስጋና ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.