Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ቢዝነስ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ካናዳ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ቢዝነስ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ካናዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቀዋሚት ተፀዋዒት ጉዳያት ኣምባሳደር ማህሌት ኣብ ዝገበረኦ መኽፈቲ ዘረባ፥ ኢትዮጵያን ካናዳን ካብ 1948 ዓ.ም ጀሚረን ጥንኩርን ኩለመዳያዊ ክልተኣዊ ትሕብብር መሰረት ዝገበረ ርክብ ከምዘለወንን ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ንምሕያል ብዙሓት ሕላዊ ዑደት ስራሓት ከምዝተገበሩ እተን ኣምባሳደር ኣብሪሀን።

ኣብቲ ፎረም፥ 20 ሰብ ሃፍቲ ካናዳን 100 ድማ ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም።

ካናዳውያን ሰብ ሃፍቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ንግዲ ምስ ትዮጵያውያን መዘናታቶም ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

እቲ ፎረም ክልተኣዊ ምትሕብባርን ልውውጥ ልምዲን ንምግባር ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።
መጠን ልውውጥ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ዓመት 170 ሚሊዮን ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝነበረ እንትኸውን፥ ካብ ውሽጢ እዚ እቲ 130 ሚሊየን ዶላር፤ ካናዳ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝለኣኸቶም ፍርያታት ዝተረኸበ ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ምስ ካናዳ ኣብ ዝነበራ መጠን ቀጥታ ኢንቨስትመንት ድማ 174 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝመዝገበ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ቢዝነስ ካናዳን ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

እቲ ብኮሚሽነር ኮሚሽን ንግዲ ካናዳ ሲንዲ ኢቭ ቦራሳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፥ ካብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂን ካልኦትን ዓውዲታት ዝተውፃእፀአ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.