Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ኢንቨስትመንትን ንግዲን ኢትዮጵያ ኣብ ሲሪላንካ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 የካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ኢንቨስትመንትን ንግዲን ኢትዮጵያ ኣብ ሲሪላንካ ከተማ ኮሎምቦ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ፎሮም ኣብ ህንዲ ዘሎ ኤምባሲ ፌዴሪኢን ኣብ ከተማ ኮሎምቦ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያን ብሓባር ብምዃን ዘሰናድእዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ሲሪላንካ ዝርከቡ ልዕሊ 45 ሰብ ሃፍቲ፣ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ዋናን ኩባንያታት፣ ኣብ ዓውዲ ንግዲን ቱሪዝምን ዝነጥፉ ውልቀ ሰባትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ኣብ ህንዲ ፍልይቲ ልእኽትን በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ዶክተር ትዝታ ሙሉጌታ ኣብ ዝገበርኡ መኽፈቲ መደረ፥ ኢትዮጵያን ሲሪላንካን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1972 ዓ.ም ጀሚረን ድፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዝጀመራ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተቐራሪበን ይሳርሓ ከምዘለዋ ሓቢረን።

ርክብ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ዝተወሰኑ ኩባኒያታት ሲሪላንካ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ይገብሩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ እቶም ኩባኒያታት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ምፍራይ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ማእድን፣ ቆርበትን ውፅኢታት ቆርበትን ከምዝተዋፈሩ እተን ኣምባሳደር ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.