Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ቱርኪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ምስ ኣዳና ቻምበር ኦፍ ፎረምን ኣዳና ቆንስላን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ቱርኪ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ፎረም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨሰትመነት ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግዲ ከተማ ኣዳና ዝኾኑ ኣቲላ ሜኔቭስ፥ ከምዚ ዓይነት ፎረም ምስንዳእ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንተን በዝበለፀ ዘጠናኽር ኢዩ ኢሎም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሌሊሴ ኔሜ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምቹው ኢንቨስትመንት፣ ብዛዕባ ዝተገበሩ መመሓየሺታት ኢንቨስትመንት፣ ዓውድታት ትኹረት፣ መተባብዒን ዕድላትን ብዝምልከት ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዋየ ንዋቶም ኢንቨስት ንምግባር ንዝመፅኡ ሰብ ሃፍቲ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝግበር ምግላፀን ካብ ኤምባሲ  ኢትዮጵያ ኣብ ተርኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.