Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዩኒፎርምታት ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዩኒፎርምታት (መፍለዪ) ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያን ምፍራይ ከምዝጀመረ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትራንስፎርሜሽን እቲ ኮርፖሬሽንን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ኣይተ ፍፁም ከተማ ከምኡ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዑደት ገይሮም፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ “ኢፒክ ኣፓረል” ዝተብሃለ ዩኒፎርምታት ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ዘፍሪ ኩባኒያ ምንቅስቓሳቱ ተዓዚቦም፡፡

ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዝርከብ እቲ ኩባኒያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዩኒፎርምታት ምፍራይ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ብምድሃብ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ዘተ ከምዝተገበረ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.