Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ልዕሊ 44 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ከፈልፍል ክኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ልዕሊ 44 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ከፈልፍል ከምዝኸኣለ መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ትንሳኤ ይማም ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ዝፈርዩ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ብምልኣኽ ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 44 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ከምዝተኽኣለ እቶም ከማየዲ ስራሕ ተዛሪበን።

ስራሕቲ ምንቅስቓስ እቲ ፓርክ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት ሎሚ መዓልቲ ዑደት ተገይሩሉ።

ኣብቲ ፓርክ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ብቐንዱ ኣብ ፍርያት ዓለባ ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ እተን መካየዲት ስራሕ ገሊፀን።

እቲ ፓርክ ብክልተ ምዕራፋት ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ ኣብ 353 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ኣብ ውሽጡ ድማ ብዙሓት ፋብሪካታት ዝሓዘን ዝተማልአ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ፓርክ ኢንዱስትሪ ዝተማልአሉ ከምኾነን ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 18 ሺሕን 900 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ እንትኸውን፥ 17 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ብቐዋሚ ዝተቖፀሩ ከምዝኾኑ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.