Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ኤርና ሶልበርግ ተዛትየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል፣ ሚኒስትር መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ያለም ፀጋይ፣ ጅግና ሲ.ኤን.ኤን ዓመተ 2019 ፍሬወይኒ መብራህቱን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታትን ተረኺበን።

ደቂ ኣንስትዮ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ንምዕባይን ሓገዝ ንኽግበረለንን ኣብ ፖለቲካን ስራሕን ዘለወን ተሳትፎ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብምትኳር ተዛትየን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኤርና ሶልበርግ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምዝታየን ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.