Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኩሉ ሕብረተሰብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ብፅንዓት ንኽፃወር ፀዊዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ሓላዊት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ሳህለወርቅ ዘውዴ ኩሉ ሕብረተሰብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ብፅንዓት ንኽፃወር ፃውዒት ኣቕሪበን።

እተን ፕሬዚዳንት ፅባሕ ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

እቲ በዓል ብርኪ ዓለም #Unstoppable ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኽበር ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ ብብርኪ ሃገር ድማ “ፅንዓት” ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ኢዩ ኢለን፡፡

እቲ መሪሕ ቃል፥ ኣብ መላእ ዓለም ብተፈጥራን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ዝተጎድኡ ሰባት ዝሕግዙ ወለንታውያን፣ ሰራሕተኛታት፣ ሰብ ሞያታት ሕክምና፣ ብመጠንን ስፍሓትን እቶም ፀገማት እንተይተሓለሉ ሰብኣዊ ተግባሮም ዝዋፅኡ፣ ዘጋጥሙዎም ኣፈላላይ ርእዮተ ዓለም፣ እምነት፣ ፖለቲካ፣ ዘርኢን ፆታት ዘየዐንቀፎም (#Unstoppable) ምዃኑ ንምርኣይ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣባላት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን ይኹኑ ደገፍቲ ንሰብኣዊ ክብሪ ትኹረት ብመሃብ፣ ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ብዘይ ኣድልዎ፣ ዘይሻራዊን ናፅነት ኣሰራርሐኦም ተሓሊዩ፣ ህይወት ተሓገዝቲ ንምድሓን ናብረኦም እውን መሊስካ ንምጥያሽ መሪሕ ዝህቡ ንሰብኣዊነት ብዘለዎም “ፅንዓት” ምዃኑ ንምርኣይ ዝተመረፀ መሪሕ ቃል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

“መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን እዚ ዓመት ዝኽበር ካብ ወትሩ እዋን ኣብ ውሽጢ ዝተፈለየ ኩነታት ኢዩ” ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተወልዑ ጎንፂታት ምኽንያት ዜጋታት ክቡር ህይወቶም ዝሰኣኑሉ፣ ካብ መረበቶምን ስድረኦምን ዝተፈለዩሉ ከቢድ እዋን ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ማሕበር ኣብ ቅድሚት ብምዃን ህይወት ወገናት ንምድሓን ዝገበሮ ልዑል ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ልኡኽቶ እቲ ማሕበር ኣብ ህዝቢ ዝበፅሕ ጉድኣት ምንካይ ወይድማ ምፍታሕ ይኹን እምበር ከምዚ ዓይነት ፀገማት ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ባህሊ ክግበር ይግባእ ኢለን።

ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ፣ መሓዙት ትካላት፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዝኾኑ መሓዙት ትካላት፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ሰብኣዊነት ዝድግፉ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ እናበርከቶ ንዝርከብ ሰብኣዊ ተግባር ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ዘመስገና እተን ፕሬዚዳንት፥ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ብፅንዓት ንኽፃወር ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.