Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ሃማስ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽቕበል ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንራብዓይ መዓልቲ ኣብ ዝቐፀለ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝግበር ድርድር ሃማስ እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽቕበል ፀዊዖም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓብዪ ወርሒ ፆም ረመዳን ሃማስ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ጋዛ ንኽቕበል ትማሊ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

“እቲ ስምምዕነት ሕዚ ኣብ ኢድ ሃማስ ኢዩ” ብምባል ነቲ ስምምዕነት ሓገዞም ዘርአዩ እንትኾኑ÷ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ናይ ሪፐብሊካን ተነሓናሒኦም ዝኾኑ ዶናልድ ትራምፕ ብግደኦም ንኲናት እስራኤል ኣብ ጋዛ ድጋፎም ገሊፆም፡፡

ባይደንን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ እስራኤል-ፍልስጤም ዝተፈላለዩ ከምዝኾኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እንትገልፁ÷ ባይደን ንፍልስጤማውያን ሕማቕ ከምዝነበሩ ብምልዓል ትራምፕ ድማ ዝኸፍኡ ክኾኑ ኢዮም ኢሎምዎም፡፡

ልኡኻት ሃማስን ኣሜሪካን ኣብ ውሽጢ ስዱሽተ ሰሙናት ስምምዕነት ዕርቂ ንምብፃሕ ኣብ ካይሮ ኣሸማገልቲ ኳታርን ግብፂን እናዘተዩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ትካል ግልጋሎት ዜና ግብፂ ኣልቃሄራ÷ እቲ ድርድር ሎሚ ንራብዓይ መዓልቲ ከምዝቕፅል ምግላፁ ዘ ጋርዲያን ፀብፂቡ።

“ኣብ ወርሒ ረመዳን ምቁራፅ ተኹሲ ክህሉ ይግባእ” ዝበሉ ባይደን÷ “እቲ ኲናት ኣብዚ ወርሒ ዝቕፅል እንተኾይኑ ንእስራኤል ኣዚዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.