Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ፑቲን ሓሳብ ሰላም ኣፍሪካ ኣብ ሰላም ሩሲያ-ዩክሬን መሰረት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሓሳብ ሰላም ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ሩሲያ-ዩክሬን እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ጠጠው ንምባል መሰረት ሰላም ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም፡፡

ንሬውተርስ ፀሪሑ ኣልጄዚራ ከምዝፀብፀቦ÷ ኣፍሪካያን መራሕቲ ዘቕረቡዎ ትልሚ ሰላም ዋላ እኳ ሙሉእ ዝርዝሩ ዕላዊ ኣይገበር እምበር እቲ ጎንፂ ንምህዳእ ተኸታታሊ ስጉምቲታት ዘመላኸተ ኢዩ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም÷ ጦር ሩሲያ ንደሓር ክምለስ፣ ታክቲካዊ ጦር መሳርሒ ኒውክሌር ሩሲያ ካብ ቤላሩስ ክወፅእ ምግባር፣ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ኣይ ሲ ሲ) ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዘውፀኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ እገዳን እፎይታ ማዕቐብን ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

“ይኹን እምበር ዩክሬን ንቕድሚት እናገሰገሰትን ስልታዊ መጥቃዕቲ እናካየደትን” ትርከብ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ፑቲን÷ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩነታ ተኹሲ ጠጠው ክብል ምግባር ዘይከኣል ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ብኣፍሪካውያን መራሕቲ ዝቐረበ ሓሳብ ሰላም ብወገን ቻይና ምስ ዝቐረበ ሓሳብ ንሰላማዊ መፍትሒ መሰረት ክኸውን ከምዝኽእል እውን ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.